መእተዊ – መሰል ኣብ ሜሪላንድ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብፈዴራላዊ፡ መንግስታዊ፡ ከምእውን ብክልላዊ ሕጊ ዝተሓለው እዩ።
ኣድልዎ – ጾታዊ ዓመጽ
-
ብዙሓት ሰራሕተኛታት እቲ ዘስርሖም ኣካል ንሓደሓደ ሰራሕታኛታት ካብ ካለኦት ሰራሕተኛታት ዝተፈለየ ብሉጽ ዝኾነ ኣተሓሓዛ ይገብረሎም፡ ወይድማ ንኹሎም ሰራሕተኛታት ማዕረ ዝኾነ ኣተሓሕዛ የብሎምን ዝብል ጥርዓን የቕርቡ/የስምዑ። እቲ ሕጊ ግና ኩሎም ሰራሕተኛታት ብማዕረ ክተሓዙ ኣይጠልብን እዩ፡ ግናኸ ኣብ ጾታ፡ ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ መቦቆል ዓዲ፡ ኣካላዊ ወይ ኣእምራዊ ስንክልና፡ ይኹን ኣብ ዕድመ መሰረት ብምግባር ዝተፈልየ ኣተሓሕዛ ክግበረሎም ኣይግባእን እዩ።
-
ኣብ 1990 ዝቖመ ናይ ኣሜሪካ ኣዋጅ ሕጊ ኣካለ ስንክልና (ADA) ናይ ኣካል ወይውን ናይ ኣእምሮ ጉድለት መሰረት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ግለሰባት ኣድልዎ ምግባር ይኽልክል
-
እቲ ሕጊ ጾታዊ ዓመጽ እውን ይኽልክል። ሓለፍትን ሰራሕታኛታትን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰራሕተኛታት ጾታዊ ዓመጽ ካብ ምፍጻም ብጥብቂ ይኽልከሉ።
-
ናይ ማዕረ ዕድል ስራሕ ኮሚሽን ከምእውን ናይ ሜርላንድ ናይ ሰብኣዊ ርክባት ኮሚሽን ነዚ ሕጊ እዚ ኣብ ምትግባር ዝተመደቡ ናይ ፈደራላዊን ሃገራውን ትላካት እዮም።
መሰላት ምውካል ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ
-
እቲ ኣዋጅ ሕጊ ሃገራዊ ርክባት ዕዮ፡ ሰራሕተኛታት ርእሰ-ስርርዕ ክገብሩ፡ ዝውክሎም ብምምራጽ ብሓባር ክዋገዩ፡ ረድኤትን ውሕስነትን ንምርካብ ኣብ ስሩዕ ንጥፈታት ክሳተፉ፡ ወይውን ካብዞም ዝተጠቕሱ ንጥፈታት ክቑጠቡ መሰሎም የረጋግጸሎም።
-
እቲ ኣዋጅ ሕጊ፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ዝውክሉ ናይ ዕዮ ማሕበራት ሓደሓደ ጠለባት ከማልኡ ይሓትት።
-
ዝኾነ ሰራሕተኛ ብመሰረት እዚ ሕጊ እዚ መሰሉ ወይ መሰላ ከምዝተጋህሰ ኮይኑ እንተ መሰሎ/መሰላ፡ ኣንጻር እቲ ሰራሕተኛ ወይ ማሕበር ናብ ሃገራዊ ርክባት ዕዮ ክኸስስ/ክትከስስ ይኽእል/ትኽእል እዩ/ያ።
ኩነታት ስራሕን መሃያን
-
ፈደራላዊን ሃገራዊን ሕጊ፡ ሰራሕታኛታት ካብ ውሑስ ዘይኮነ ከባቢ ንምክልኻል ከምእውን ንናይ ትሑት ክፍሊት መሃያ ከምእውን ካብ ዝተመደበሎም ዝያዳ ንዝሰርሕዎ ሰዓታት ክፍሊት መሃያ ከምዝኽፈሉ ይገብር።
-
እዚ ዝተጠቕሰ ሕጊ ምስ ዝጠሓስ፡ ናብ ናይ ሜርላንድ ውሕስነት ስራሕን ጥዕናን ከተቕርቡ ትኽእሉ
ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰር ማህሰይቲ
-
ብመሰረት ናይ ሕጊ ካሕሳ ሰራሕታኛታት፡ ኩሎም ሰራሕተኛታት፡ ተቖጺሮም ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን፡ ብዝኾነ ምኽንያት ዝባኸነ መሃያ፡ ብምኽንያት ነባሪ ማህሰይቲ፡ ከምእውን ንዘጋጠመ ሓደጋ ዝወጸ ናይ ሕክምና ወጻኢታት ክኽፈሉ መሰል ኣለዎም።