ማእከል ሕጊ ኢሚግሬሽን ኣመሪካ (ኣመሪካን ኢሚግሬሽን ሎው ሰንተር) ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሕጊ ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ንዝተራእየ ለውጢታት እንታይ ክግበር ከም ዝኽእል ምርሒት ኣብ ምሃብ ዝሕግዝ፣ ብተደጋጋሚ ንዝሕተቱ ሕቶታት ንምምላስን፣ ልሙዳት ስክፍታታት ኢሚግሬሽን ንምፍታሕን ዝሕግዙ ተኸታተልቲ ሓጸርቲ ትምህርታዊ ጽሑፋት ብፍላይራት ኣዳልዩ ኣሎ። እዚኦም ኣገደስቲ ጽሑፋት ናብ ዝበዝሑ ኣባላት ማሕበረሰብ ንኽባጽሑ መርበብ ዲያስፖራ ኤርትራ (ኤሪትረያን ዳያስፖራ ኔትዎርክ) ናብ ትግርኛ ኣተርጒሙዎም ኣሎ። ነዚ ሓበሬታ ብዝያዳ ተበጻሒ ዝገበርናሉ ዕላማ ኤርትራውያን ስደተኛታት መሰላቶምን ንዘሎ ሕጋዊ ኣማራጺታትን ኣብ ምርዳእ ንክንድግፎም እዩ። ንተወሳኺ ሕቶታት ወይ ሕጋዊ ሓገዝ ምስ ብቑዕ ጠበቓ ኢሚግሬሽን ክትመኻኸሩ ንላቦ።
መሰላትካ ፍለጥ፡ ኣይስ ናብ ቦታ ስራሕካ እንድሕር መጺኦም
መሰላትካ ፍለጥ፡ ኣይስ ናብ ገዛኻ እንድሕር መጺኦም