ምስ ናይ ኢሚግሬሽን ሕጊ ጠበቓ ኤሊኖር ተስፋማርያም ብምትሕብባር ዝተጻሕፈ
አብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ክልቲኦም ፓርቲ ዝተወከሉ መውጻእቲ ሕጊ ብዛዕባ ኢሚግሬሽን ዝቐረበ ሓሳብ ንምምይያጥ አብ ዝተገብረ አኸባ ፕረሲደንት ትራምፕ ካብ አፍሪቃን ካሪብያን ሃገራት አብ ዝመጹ ሕዝብታት ዝዓለመ ዓለታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ቋንቋ (racist language) ከምዝተጠቐሙ አብ’ዛ ሃገር ዘለዋ ማዕኸናት ዜና ጸብጻብ ገይረን እየን።
አብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ክልቲኡ ክፍሊ ኮንግረስ ዝተዋጽኡ ሪፓብሊካንን ዴሞክራትን መውጻእቲ ሕጊ ኢሚግረሽን ብዝርኢ ዝፍትሓሉ መንገዲ ንምምይያጥ ምስ ፕረሲደንት ትራምፕ ተራኺቦም ነይሮም። አብቲ አኸባ ሕጋዊ መሰል ዘይብሎም ኢሚግራንት መናእሰይ ቋሚ ሕጋዊ ፍታሕ ብህጹጽ ምሃብ ከምዘድሊ ኩሉ ዝአመነሉ ይመስል ነይሩ።
ከምቲ አብ ሙሉእ ዓለም ዝርከቡ ካልኦት ውድባት፤ ሕዝብታትን፤ ሃገራትን፤ ናይ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ኔትወርክ (EDN) እውን እቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ዝተዛረቦ ቓል አዝዩ ዘጸይፍ ኮይኑ ረኺቡዎ። ዝዝረቡ ቓላት ብፍላይ ድማ አብ መንግስቲ መሪሕነት በዘለዉ እንክዝረቡ ከለዉ ሳዕቤን አለዎም እዩ። እቲ ንሱ ዝዛረቦም ቓላት ብናይ [ዓሌት] ጽልኣት ተለዓዒሎም ገብናትን መጥቃዕትን ንኽፍጸሙ ከተባብዑ ይኽእሉ እዮም።
ዋላ’ኳ ብዚ ጉዳይ’ዚ ብዙሕ ክንብሎ እንኽል እንተሃለወ፤ ናይዙ ብሎግ እዚ ዕላማ ከም ኤርትራውያን ድያስፖራ ይኹን ብገፊሑ ከም አፍሪቃውያን ዲያስፖራ ብዛዕባ እነበርክቶ ግደ(value added) ንምዝታይ አይኮነን። ብዛዕባ እነበርክቶም ነገራት አብ ምዝርዛር እንከይአተና ስብእናና ክኽበር ይግባእ። እዚ ከምዘሎ ኾይኑ አብዙ ሕጂ እዋን ንሕና ከነልዕሎም ዝግብአና ብዛዕባ አብ ውሽጢ ማሕበረሰብና ዝርከቡ ንምርመራ (interviews)ዝጽውዑ ንዘለዉ፤ ወይ ድማ አብ ሥራሕ ቦታኦም ወይ አብ መንበሪኦም ብICE ምፍርራሕ ንዝብጽሖም ዘለዉን ብዝርኢ እዩ።
ሰባት አብ ፍርሒ ዝርከቡ ዘለዉ እንትኾኑ ከመይን እንታይን ክምልሱ ከምዘለዎም አይፈልጡን።
ንስኹም ወይ አባል ስድራ ቤትኩም ሓደ ካብቶም አብ ከምዚ ዝመሰለ ኹነታት ዝርከቡ ኢሚግራንትስ እንትድኣ ኾይንኹም እዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ነገራት ክትፈልጥዎም የድልየኩም።
- ምሕዳስ ዳካ (DACA Renewal) – ብዝኸአልኩምዎ ክተሕድስዎ ዘሎኩም ብቕልጡፍ ስደዱ – ናይ ፈደራል ቤት ፍርዲ ናይ ዳካ ፍቓድ ንምሕዳስ ዝቐርቡ ሕቶታት ንኽቕጽሉ ፈቓድ ሂቡ አሎ። ስለዝኾነ ክተሕድሱ ዘለኩም ብዝከአለኩም ቶሎ አሊኩም ሕቶኹም አቕርቡ። እዚ ምምሕዳር [ናይ ትራምፕ] ናይ ዳካ ጉዳይ ብዝረኢ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ (Supreme Court) ይወስዶ ስለዘሎ ኩነታት ብቕልጡፍ ክልወጥ ይከአል እዩ። እዚ አብ ቀረባ ጊዘ ዝተዋህበ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ሓድሽ ናይ ዳካ ሕቶ ንዘቕርቡ ወይ ድማ ምሕረት ተዋሂቡዎም ጉዳዮም አብ ከይዲ ንዘሎ (Advance Paroles) አይሓውስን። ብዳካ መምርሒ ቅድሚ ሕጂ ዲፈርድ አክሽን(deferred action) ዘተዋህበኩም ሰባት Form I-821D ከምኡውን Form I-765 ብምምላእ ክተሕድሱ ትኽእሉ ኢኹም– በጃኹም ዘድሊ ኹሉ ምምላእኹም አረጋግጹ። ንጠበቓኹም ብምምኻር ንምሕዳስ ዘድሊ መረዳእታ አተሓሒዝኩም ብዝሓጸረ ጊዘ አቕርቡ። ተወሳኺ ሓበረታ አብዚ ይርከብ እዩ[ተጽዓኑ] here.
- ዜግነት ምስራዝ (Denaturalization): ናይ አሜሪካ ናይ ጉምሩኽን ኢሚግረሽን አገልግሎት(USCIS) ቅድሚ ሕጂ ዘይግብኦም እንዳሃለወ ቅኑዕ ብዘይኮነ መንገዲ (Fraud) ናይ አሜሪካ ዜግነት ንዝረኸቡ ውልቀሰባት አብ ቅድሚ ሕጊ ብምቕራብ ዜግነቶም ንኸሰርዝ ምድላው እናገበረ እዩ። ከም ሓደ ናይ ወፍሪ ጃኑስ (Operation Janus) ዕማም – ናይ አሜሪካ ናይ ጉምሩኽን ኢሚግረሽን አገልግሎት(USCIS) ልዕሊ 1,500 ውልቀ ሰባት ተኸሲሶም ናብ ቤት ፍርዲ ንኽቕርቡ ሽሞም ንምትሕልላፍ ይሓስብ አሎ። ሓደ ሰብ ብዘይኮነ መንገዲ(Fraud)፤እንዳፈለጠ ዘይኮነ መረዳእታ ብምሃብ፤ ወይ ብኻልኦት ሕጋዊ ብዘይኮኑ መንገዲታት ዜግነት ረኺቡ እንተድአ ኾይኑ/ና፤ ናይ አሜሪካ ናይ ጉምሩኽን ኢሚግረሽን አገልግሎት(USCIS) ዜግነቱ/ዜግነታ ክስርዞ ይኽእል እዩ። ዜግነቱ ምስራዙ ድማ ካብ ዓዲ ናብ ምስጓግ ከምርሕ ይኸእል።
- ብአካል ንኽትቀርብ ወይ መርትዖ (Documents) ንኽተቕርብ መጸዋዕታ ምቕባል: ካብ ሆምላንድ ሰኩሪቲ ዲፓርትመንት(DHS), ካብ ሓለዋ ኢሚግረሽንን ጉምሩኽን (ICE) ወይ ድማ ካብ ናይ አሜሪካ ናይ ዜግነትን ኢሚግርሽንን አግልግሎት (USCIS) መፍለጢ እንተድአ በጽሑካ አብቱ መፍለጢ ብዝተውሃበካ መምርሒ ተኸቲልካ ብአካል ክትቅርብ ወይ ድማ ዝተሓተትካዮ ሓበረታ ክትሰድድ አለካ። መልሲ ብዘይምሃብካ ምኽንያት እቲ ክፍጸመልካ ዘቕረብካዮ ሕቶ መኽልኢ ምኽንያት ክኽውን ይኽእል። እትህቦ መልሲ ዘይተማለአ እንተኾይኑ ወይ ድማ ተወሳኺ ሕቶ ዘልዕል እንተድአ ኾይኑ እቲ ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ተወሳኺ መረዳእታ ንኽተቕርብ ክሓትት ይኽእል እዩ። ብአካል ክትቀርብ እንተድኣ ሓቲቶምኻ ብአካል ቅረብ። ብአካል ንኽትቀርብ DHS, ICE, ወይ USCIS እንተድአ ሓቲቶምኻ ንጠበቓ አማኽር. ናይ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ኔትዎርክ (EDN) ናይ ጠበቓታት መርከቢ አድራሻ አድላዩ አሎ፤ ኣብዙይ ክትጽዓን ትኽእል here. (ብትግርኛ ዝተዳለወ ናይ ጠበቓታት መርከቢ አድራሻ ኣብዙይ ክትጽዓን ትኽእል here)። እቲ ብፍላይ ንአኻ ዝርኢ ጉዳይ ብዝምልከት ምኽሪ ንምርካብ ንጠበቓ ምምኻር እቱ ዝበለጸ መንገዲ እንክኽውን፤ መሰልካ ዝተሓለወልካ ምዃኑ ንምርግጋጽ ምሳኻ ክኸዱ ይከአል።
- ማዕቐብ ቪዛ (Visa Restrictions): ስቴት ዲፓርትመንት ናይ አሜሪካ አብ ወርሒ መስከረም 2017 አብ ልዕሊ ተወለድቲ ኤርትራን ከምኡውን አብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ካምቦድያን፤ ሴራልዮንን፤ ጊኒን ናይ ዓዶም መንግሥታት ካብ አሜሪካ ንዝተሰጎጉ ዜጋታቶም አይንቕበሎምን ስለዝበሉ ናይ ቪዛ ማዕቐብ ገይሩሎም አሎ። አብ ወርሒ መስከረም 2017, [ናይ አሜሪካ] ኤምባሲታት ንኤርትራውያን ዜጋታት ናብ ኤርትራ በጽሒካ መምለሲ ቪዛ ምሃብ ጠጠው አቢለን እየን። አብ ወርሒ ጥሪ 2018, ስቴት ዲፓርትመንት አብ ልዕሊ F-ቪዛ (ናይ ተምሃሮ ቪዛ), M-ቪዛ ከምኡውን J-ቪዛ ተወሳኺ ቐይዲታት ገይሩ አሎ። ዋላ እኳ እቲ ውልቀሰብ መገዲ እንተዘይጀምረ ቅድም ክብል አብ ዝተዋህቡ ቪዛታት ተፈጻሚ አይኾንን። ናይ አሜሪካ ዜጋ እንተድኣ ኾይንኹም ንቐረባ ስድራ ቤትኩምን ማለት- ንአሕዋትኩምን ንዕድመ ንዝአኸሉ ደቑኹምን – ቶሎ ኢልኩም ቪዛ ንኽወሃቦም ሕተቱሎም። እዞም አብ ቪዛ ተገይሮም ዘለዉ ቐይዲታት መአዝ ከምዝለዓሉ ይኹን ንቐጻሊ ዝወሰኹ እንተድአ አለዉ ብርግጽ እንፈልጦ የለን. ንተወሳኺ ሓበረታ አብዚ ይርከብ እዩ[ተጽዓኑ] here.
- ናይ አሜሪካ ዜግነት ናይ ዘለዎ ሰብ ወለዲ ዝግበር ኢንተርቪው(Interview for Parents of US citizens): ቅድም ክብል ሓደ ናይ አሜሪካ ዜግነት ዘለዎ/ዋ ሰብ ንወለዱ/ዳ ናይ መንበሪ ፈቓድ (ግሪን ካርድ) ክሓትት/ክትሓትት ከሎ (ወለዲ አብ አሜሪካ እንተድአ ሃሊዮም) ናብ ኢንተርቪው ከይተጸውዑ ይፍቀደሎም ነይሩ። አብዚ ቀረባ እዋን ዝርአ ዘሎ ሓፈሻዊ አንፈት ከምዘርእዮ ናይ አሜሪካ ዜግነት ናይ ዘለዎ ወለዲ እቲ ንመንበሪ ፈቓድ (ግሪን ካርድ) ዘቕረብዎ ሕቶ ቕድሚ ምርካቦም አብ ናይ አሜሪካ ናይ ዜግነትን ኢሚግርሽንን አግልግሎት(USCIS)ንኢንተርቪው ይጽውዑ እዮም።
ዋላኳ እዚ እዋን ዘይተአማምን(ሓደገኛ) እንተኾነ, ንዚ ሕጂ አብ ግብሪ ውዒሎም ዘለዉ ፖሊሲታት ትኽኽል ከምዘይኮነ ብሕግ ዝኸራኸሩን ሓድሓዲኦም ክሳብ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ክኸዱ ድልዋት ዝኾኑ ውልቀሰባትን ውድባትን ከምዘለዉ ክትፈልጡ ንደሊ። እዚ ምምሕዳር’ዚ[ናይ ፕረሲደንት ትራምፕ] ዝኽተሎም ዘለዉ ዝሕዝኑ ፖሊሲታት አብ ምቅዋም ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ዓወታት ዝተረኽቡ እንክኽውን እቲ ቓልሲ ንመጻኢ እውን ክቕጽል እዩ። እንተወሓደ ሕብረተሰብና ብፕረሲደንት ትራምፕ ዝዝረቡ ቓላትን እቲ አብ ሥራሕ ንኽውዕሉ ዘውጽኦም ፖሊሲታትን ንኽቃወሙ ከምዘተባበዖም ተስፋ ንገብር።
ንተወሳኺ ሐበረታ ናብ ዌብሳይትና በዚ አቲኹም ርአዩ website here. ናይ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ኔትዎርክ ከም ውድብ መጠን አብዚ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ንዝርከቡ ንምሕጋዝ ክንገብሮ ዘድሊ ነገር አንተድኣ ሃልዩ አፍልጡና።