eridiaspora@gmail.com
  • Facebook
  • X
  • Facebook
  • X
Eritrean Diaspora Network
  • Home
  • About
  • Blog
  • Get Involved
  • Events
  • Resources
  • Support EDN
  • Contact Us
Select Page

መሰል ሰራሕተኛታት ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ

መእተዊ – መሰል ኣብ ሜሪላንድ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብፈዴራላዊ፡ መንግስታዊ፡ ከምእውን ብክልላዊ ሕጊ ዝተሓለው እዩ።

 

ኣድልዎ – ጾታዊ ዓመጽ

  • ብዙሓት ሰራሕተኛታት እቲ ዘስርሖም ኣካል ንሓደሓደ ሰራሕታኛታት ካብ ካለኦት ሰራሕተኛታት ዝተፈለየ ብሉጽ ዝኾነ ኣተሓሓዛ ይገብረሎም፡ ወይድማ ንኹሎም ሰራሕተኛታት ማዕረ ዝኾነ ኣተሓሕዛ የብሎምን ዝብል ጥርዓን የቕርቡ/የስምዑ። እቲ ሕጊ ግና ኩሎም ሰራሕተኛታት ብማዕረ ክተሓዙ ኣይጠልብን እዩ፡ ግናኸ ኣብ ጾታ፡ ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ መቦቆል ዓዲ፡ ኣካላዊ ወይ ኣእምራዊ ስንክልና፡ ይኹን ኣብ ዕድመ መሰረት ብምግባር ዝተፈልየ ኣተሓሕዛ ክግበረሎም ኣይግባእን እዩ።

  • ኣብ 1990 ዝቖመ ናይ ኣሜሪካ ኣዋጅ ሕጊ ኣካለ ስንክልና (ADA) ናይ ኣካል ወይውን ናይ ኣእምሮ ጉድለት መሰረት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ግለሰባት ኣድልዎ ምግባር ይኽልክል

  • እቲ ሕጊ ጾታዊ ዓመጽ እውን ይኽልክል። ሓለፍትን ሰራሕታኛታትን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰራሕተኛታት ጾታዊ ዓመጽ ካብ ምፍጻም ብጥብቂ ይኽልከሉ።

  • ናይ ማዕረ ዕድል ስራሕ ኮሚሽን ከምእውን ናይ ሜርላንድ ናይ ሰብኣዊ ርክባት ኮሚሽን ነዚ ሕጊ እዚ ኣብ ምትግባር ዝተመደቡ ናይ ፈደራላዊን ሃገራውን ትላካት እዮም።

መሰላት ምውካል ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ

  • እቲ ኣዋጅ ሕጊ ሃገራዊ ርክባት ዕዮ፡ ሰራሕተኛታት ርእሰ-ስርርዕ ክገብሩ፡ ዝውክሎም ብምምራጽ ብሓባር ክዋገዩ፡ ረድኤትን ውሕስነትን ንምርካብ ኣብ ስሩዕ ንጥፈታት ክሳተፉ፡ ወይውን ካብዞም ዝተጠቕሱ ንጥፈታት ክቑጠቡ መሰሎም የረጋግጸሎም።

  • እቲ ኣዋጅ ሕጊ፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ዝውክሉ ናይ ዕዮ ማሕበራት ሓደሓደ ጠለባት ከማልኡ ይሓትት።

  • ዝኾነ ሰራሕተኛ ብመሰረት እዚ ሕጊ እዚ መሰሉ ወይ መሰላ ከምዝተጋህሰ ኮይኑ እንተ መሰሎ/መሰላ፡ ኣንጻር እቲ ሰራሕተኛ ወይ ማሕበር ናብ ሃገራዊ ርክባት ዕዮ ክኸስስ/ክትከስስ ይኽእል/ትኽእል እዩ/ያ።

ኩነታት ስራሕን መሃያን

  • ፈደራላዊን ሃገራዊን ሕጊ፡ ሰራሕታኛታት ካብ ውሑስ ዘይኮነ ከባቢ ንምክልኻል ከምእውን ንናይ ትሑት ክፍሊት መሃያ ከምእውን ካብ ዝተመደበሎም ዝያዳ ንዝሰርሕዎ ሰዓታት ክፍሊት መሃያ ከምዝኽፈሉ ይገብር።

  • እዚ ዝተጠቕሰ ሕጊ ምስ ዝጠሓስ፡ ናብ ናይ ሜርላንድ ውሕስነት ስራሕን ጥዕናን ከተቕርቡ ትኽእሉ

ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰር ማህሰይቲ

  • ብመሰረት ናይ ሕጊ ካሕሳ ሰራሕታኛታት፡ ኩሎም ሰራሕተኛታት፡ ተቖጺሮም ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን፡ ብዝኾነ ምኽንያት ዝባኸነ መሃያ፡ ብምኽንያት ነባሪ ማህሰይቲ፡ ከምእውን ንዘጋጠመ ሓደጋ ዝወጸ ናይ ሕክምና ወጻኢታት ክኽፈሉ መሰል ኣለዎም።

Submit a Comment Cancel reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

  • Facebook
  • X

Designed by Elegant Themes | Powered by WordPress